ዕለት 02/10/2017ዓ/ም
ቁፅሪ ዕ/ፋ/ም/ር/ን /ፕ/01-12/2069/2017
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ-02
ኮሌጅና-ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ድሕሪ ሆቴል ኣብርሃ ካስትል ወይ ድሕሪ ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና ዝርከብ ትካል እዩ፡፡ እዚ ኮሌጅ እዚ ኣብ 2017 ዓ/ም ካልኣይ መንፈቕ በጀት ዓመት ንኮሌጅና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናውቲ ፅሬትን ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ መስፈርት መሰረት ገይርኩም ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ብኣኽብሮት ፃውዒት የቕርብ።
1. በቲ ብፕሮፎርማ / እነውዕኦ ፡ ዘለና ዓይነት ኣቕሓ ዓውደ ዘርፊ ንግዲ ዝተዋፈርኩም ኮይንኩም፤ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መፍለይ ቁፅሪ (TIN) ከፋላይ ግብሪ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ እትኽእሉ፣
2. ካብ ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 02/10/2017ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04/10/2017ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ነፍልጥ።ፕሮፎርማ ዕለት 04/10/2017ዓ/ም ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ ኣብ ዘለውሉ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይኸፈት።
3. ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማኹም ስልጣን ዘለዎ ኣካል ሽምን ፊረማን ክዓርፎ ከምዝግባእ ንፁር ኣድራሽ ከስፍሩ ከምዘለዎምን ከምኡ እውን ኣብ ዝቐረቡ ሰነድ ፕሮፎርማን ካልኦት መረዳእታታትን ማሕተም ክዓርፎ ከምዘለዎን፣ ኣብ ቑፅሪ 1 ክቐርቡ ዝግበኦም መረዳእታትን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ መረዳእታታት ምስ ሰነድ ፕሮፎርማ ተተሓሒዞም ክቐርቡ ከምዘለዎምን፣
4. ተጫራታይ/ተወዳዳራይ ዝሰዓሮም ንብረታት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጓዝያን መረጋፍን ናብ ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ኣታዊ ዝገብር፣
5. ተጫራታይ/ተወዳዳራይ ዝሰዓሮም ንብረታት ብሰብ ሞያ/ብዝምልከቶም ኣካላት ናይቲ ኮሌጅ ተረጋጊፆም ክኣትዉ ይገብር።
6. እዚ ናይ መወዳደሪ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
7. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡
መዘኻኸሪ፡-
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ/ሞባይል ቁፅሪ /0986793202 በምድዋል ክረኸቡና ይኽእሉ እዮ
ድሕሪት