መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ

ቑፅሪ 3368 7-13/2017

ዕለት 24/08/2017

ምልክታ ጨረታ

መቐለ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ ድሌት ዘለኩም ሕብረተሰብ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተዘርዘሩ ረቋሒ መሰረት ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም፡-

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

➢ ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ እትደሉ ሕብረተሰብ ካብ ዕለት 25/08/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 እናከፈልኩም ክሳብ 11/09/2017 ዓ/ም ክትወስዱ ትክእሉ

➢ ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ኣድራሻን ብሽምዒ ኣሺጎም ሆ/ልና ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ከእትዉ ኣለዎም፤ ተጫረቲ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቕራብ ናይቲ ንብረት ኩነታት ኣብ ዝከን እዋን ናብ ግቢና ብምምፃእ ምርኣይ ይከኣል

➢ ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ CPO ፣ ጥረ ገንዘብ /ሰርቲፋይድ ለተር 10000 /ዓሰርተ ሽሕ ብር/ የትሕዙ

➢ ጨረታ ሰዓርቲ በቲ ዝሰዓርዎ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ሒሳቦም ከፊሎም ንብረቶም የልዕሊ እንተዘየልዒሎም ንጨረታ መክበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ኮይኑ ንካልኣይ ጨረታ ብምውፃእ እቲ ንብረት ይሽየጥ፤

➢ ጨረታ ፖስታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ብምግባር ካብ እቲ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይከኣልን፤

➢ ጨረታ ዕለት 11/09/2017ዓ/ም ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

➢ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ሓፈሻዊ መቐለ ሆ/ል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብምምሕዳርን ዘዳለዎ ቦታ ይከውን፣

➢ ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብንረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ይወስዱ፣

➢ ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት መብርሂመመሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ቅድሚ ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይከውን

➢ እዚ ምልክታ ተጫረትን መቐለ ሆስፐታልን ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግል

➢ ኣብ ዝርዝር ዘይተገለፀ ንብረት ብስምምዕነት ምውሳክን ምቕናስን ኣብ ዝርዝር ዝተገለፀ ንብረት ክስረዝ

ከምዝክእል፣

➢ ተጫረተ ዝጫረትዎም ንብረታት ብዓይነት ከፋፊሎም ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም በዝሒ ናይ ሓደ ዓይነት ኣቕሓ ግና ከፊልካ ቐናኒስካ ምውድዳር ኣይክእልን

➢ ሆ/ልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ!

➢ ካልእ ኣብዚ ምልክታ እዚ ዘይተገለፁ ረቓሒታት ብመምርሒ መሰረት ተገዛኢ ዝኸውን ተጫራታይ፡፡

ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን

➢ ናይ መርኣይ መዓልቲ ዕለት 8' 9' ድሕሪ ሰዓት 8:30 ክሳብ 10:30 ዘሎ ግዘ ብኣካል ብምቅራብ ክሪኡ ይክእሉ ከምኡ ድማ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዕለት 11 ካብ 3:00 ክሳብ 5:00 ብኣካል ምርኣይ ይክእሉ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (62)
    • ኮንስትራክሽን (1060)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4502)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (261)
          • ሕርሻ (534)
            • ህንፃ መሳርሒ (7225)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1700)
                • ምምካር (182)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1849)
                      • ምግብን መስተን (524)
                        • እግድ (43)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (79)
                            • ፈርኒቸር (1301)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (267)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (94)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (295)
                                          • መሬትን ሊዝን (60)
                                            • ፅገና (835)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (433)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (3017)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1666)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (84)
                                                            • ክራይ (748)
                                                              • መሸጣ (1207)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (95)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8639)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (368)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (844)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (368)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (583)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (238)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (271)
                                                                                    s