ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ካብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ተክልን ዘርዚ መኖን ናይ ንህቢ መሳርሕን ካብ ናይ ኤስኤልኤምን መደበኛ በጀትን ከምኡዉን ብናይ ኤስዲጂ በጀት አብ ሞተር ፖምፕ ዝተተሓዘ በቲ ዓዉዲ ስራሕ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም
  1. Â ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ ዘበን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
  2. መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ
  3. Â ናብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን
  4. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ ኮይኑ ናይ ወርሒ መጋቢት 2008 ዓ∙ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሪፖርት ከቅርቡ አለዎም
  5. Â ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን ከቅርብ ዝክእል
  6. Â ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ፖስታ ዋና Â ሓደ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ክቀርቡ አለዎም
  7. ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ ብሲፒኦ ንሕድሕድ 5,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  8. Â ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምንፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርንብረትን ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ ኣብቲ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. Â እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 01 ግንቦት 2008 ክሳብ 16 ግብቦት 2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኮይኑ Â ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 16 ለካቲት 2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብግልፂ ይክፈት
  10. እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 20 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ ከተማ እነዳባጉና ባዕሉ ኣጋዒዙ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝቀረበ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ናይ ምንካይን መሰል አለዎ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ