ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፅገና ንዘካይዱ ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ስልጠና ንምሃብ ብቅዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ወይ ኣሰልጠንቲ ኣወዳዲሩ ብዝተፈላለየ ናይ ፅገና ዓይነት ንሰራሕተኛታት ከሰልጥን ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሓምለ 20, 2016 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 3, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 3, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ትምህርቲን ትሬይንግ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፅገና ንዘካይዱ ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ስልጠና ንምሃብ ብቅዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ወይ ኣሰልጠንቲ ኣወዳዲሩ ብዝተፈላለየ ናይ ፅገና ዓይነት ንሰራሕተኛታት ከሰልጥን ስለ ዝደሊ በዚ ሞ ብቁዕ ክእለትን ፍልጠትን ዘለኩም ኣካላት ብዞም ቀፂሎም ዘለው ረቋሒታት መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉን፣

2. በቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሞያ ካብ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ሕጋዊ ፍቃድን ናይ ኣሰልጣኒነት ኣፍልጦ ዝተውሃቦን እኹል ተሞኩሮን ዘለዎ/ዋ ክኸውን ይግባእ።

3. ንስልጠና ዝኸውን ብቁዕን እኹልን ማተርያል ከቕርቡ ዝኸእሉ ክኾኑ ኣለዎም።

4. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

5. ዝርዝር ጨረታ ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 22/11/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ካብ ጨንፈር ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ መቐለ ቁ.2 ብር 100.00 / ሓደ ሚኢት ብር ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኸእሉ፣

6. ተጫረቲ ፋይናንሻል ሰነድን ቴክኒካል ሰነድን ነኒ በይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ብሽምዒ ብምዕሻግ ኣብ ዝባኖም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዝብል መፍለይ ፅሑፍን ማህተምን ብምግባር ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

7. መሪያ ቴክኒካል ሰነድ ተኸፊቱ በቲ መመዘኒ መሰረት መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተወዳደርቲ ብምፍላይ ቀፂሉ ናይቶም መሕለፊ ነጥቢ ዝረከቡ ተወዳደርቲ ፋይናንሻል ዶኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ብምኽፋት ብናይ ክልቲኡ ድምር ውፅኢት ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ተወዳዳሪ ስዓሪ ጨረታ ይኸውን። ቴክኒካል መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ድማ በቲ ናይ ጨረታ መምርሒ መሰረት ፋይናንሻል መመዘኒ ዝሓዘ ሰነድ ከይተከፈተ ናብ ሰብ ዋና ተመላሲ ይኸውን።

8. ሰነድ ጨረታ ናብ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 22/11/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 03/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኮይኑ ሽዑ ንሽዑ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል ክርከቡ ዝምረፅ ኮይኑ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኸፈት ይኸውን።

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና  /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፡

10. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል ክኸውን ኣለዎ።

11. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ናይ ጨረታ ሰነድን ስፔስፊኬሽንን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

12. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ