ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ናይ በሪን ማዕፆን ድረለወርን ፅገና ስራሕቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክተስርሕ ትደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 30, 2007 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 11, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ናይ በሪን ማዕፆን ድረለወርን ፅገና ስራሕቲ ጨረታ አወዳዲሩ ክተስርሕ ትደሊ ስለዚ ክጫረቱ ዝደሊዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ብዘሎ መሰረት ክወዳደሩ ዝክእሉ ምኮኖም ንሕብር::

1 ናይ 2006 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 / 30.00 / ቅረሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ::

2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን ናይ ወርሓዊ ዲክለር ናይ ታክሲ ከፋልነት ቲን ዝተመዝገበኩም ምካንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባዕ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ከቅርቡ አለዎም::

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% /ክለተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም ጥረ ገነዘብ ምትሓዝ አይፍቀድን::

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 11/02/2006 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሸት /5:00 / ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይክእሉ::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11/02/2006 ዓ/ም ሰዓት 9:00 አበ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝርከብሉ እዩ::

6 እቲ ዝተቁሃበ በዘሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላዕኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ::

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ክሕልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተማልዕዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን::

8 አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

 

 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ