ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ነቲ ቢሮ አገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ጎማን ናይ ሕትመት ስራሕቲን ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ሎት ሐደ ጎማ መኪና ሎት ክልተ ናይ ሕትመት ስራሕቲ እንትኮኑ ተጫረቲ ክተማልእዎም ዝግባእ ረቆሒታት ድማ ስዒቦም ተዘርዚሮም አለዉ

2 ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ፍቃድ ንግዲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር መረዳእታ ከምእዉን ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ሑሉፍ ሰለሰተ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መከበሪ ጨረታ ንሎት ሐደ ጎማ መኪና 10000 ቅርሺ ንሎት ናይ ሕትመት ስራሕቲ 10000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ብባንክ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩናታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓጎ ፖስታ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ ካብ 7/3/2016 ዓም ጀሚሩ ንተካታተልቲ 15 መዓልቲታት ኣብ አየር ዝፀንሕ እንትከዉን 24/3/2016 ዓም ለክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት

7 ሰዓራይ ብዝተዉሃቦ መዓቀኒ መሰረት ከቅርበ ዝክእልን ብናይ ባዕሉ መጎዓዘያ ናብ ቢሮ ሓለዉ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ዝገብርን ክከዉን አለዎ

8 ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

9 ሰዓራይ ትካል ብዘቅረቦ መዓቀኒ መሰረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንሎት ሐደ ጎማ መኪና ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታተልቲ መዓልቲታት ንሎት ክልተ ስራሕቲ ሕትመት ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታታተልቲ መዓልቲታት ንብረት ኣታዊ ይገብር

10 ዝተዳለወ ሰንድ ጨረታ ካብ ከይዲ ዕደጋ ቢሮ ቁጽሪ 42 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

11 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ብተወሳኪ ድማ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሰቲ ትገራይ ኣዋጀ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344404715

ድሕሪት
ጨረታ መደብ