ናይ ጨረታ ምልክታ
ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቀርን /ደደቢት ትፈልም/ ናይ ሕተመት ስራህቲ ጉጅለ ዕቆር ደፍተር አጫሪቱ ንከስርሕ ስለዝደሊ ክትጫረቱ እትደሊዩ እዚ ዝስዕብ ረቁሓ ተማልኡ ክትወዳደሩ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ::
ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2006 ዓ /ም ግብሪ ዝከፈልኩም ምካንኩም ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም ዝገልፅ መረዳታ ክተቅርቡ ይግባእ::
ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መወሰኒ መክበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል::
ናይ ጨረታ መክበሪ ካብቲ ዝወዳደሮ ጠቕላላ ዋጋ 2% ዝነአሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምካኑ::
ጨረታ ዝሰዓረ ናብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቀርን መፂኡ ከረክብ ዝክእል::
ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ ሽም ዝተዓሸገ ናይ ቢሮ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ዝግብርሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 06/ 01 /2007 ዓ /ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 17/ 01 /2007 ዓ /ም ክሳብ ድሕሪ ሰዓት 11:00 ዘሎ ጊዜ ይክዉን::
ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 18/ 01 /2007 ንጉሆ ሰዓት 3:00 ቦታ አብ ደደቢት ትፈልም ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይክዉን::
ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት አብ ዋና ቢሮ ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ / ፋይናንስ 4ይ /ራብዓይ/ ደብሪ ቑፅሪ ቢሮ 409 ብር 50.00 አብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ::
እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይ ድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ
ድሕሪት