ግልፂ ጨረታ ምልክታ
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዋና ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ንፕሮጀክት ቤት ፅሕፈት ምትግባርን ሰፈር ልምዓትን ፕላንን ቆፀራ ሃፍቲ መሬት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፕሎተር ሄድን ፕሎተር ቀለምን ን2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መቅረባይነት ሰርትፊኬትን ቲን/Tin/ን፣ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ጥሪ 2017 ዓ/ም ቫት ዲክሌሬሽን ከቅርቡ ዝኸእሉ፣
2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ ከይዲ ስራሕ ት/ባ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት19/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 29//07/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 500 ብምክፋል ምዉሳድ ይከእል፣
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ንፕሎተር ቀለምን ፕሎተር ሄድን( ንፅሕፈት መሳርሒ)ብር 5000 ብር ከትሕዝ ዝኽእል፣
4. እቲ ጨረታ ዕለት 29/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ቅ/ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 29/07/2017 ዓ/ም ሳዓት4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፣
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ምስ ክልተ ኮፒ ነኒ በይኑ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቕርብ ኣለዎ፣
6. ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቤትፅሕፈትና ከቅርቡ ዝኽእለ
7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
8. ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኽፈት ይኸዉን።
9. አድራሻና አብ ዋና ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ጎኒ እንዳማርያም ቡግሳ ዝርካብ ህንፃ 3ይ ደብሪ ከ/ስ ት/በ/ፋ/ዕ/ን/ምም/ር ይኸውን
10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914767875/0914414232/0914747482 ምድዋል ይከአል
ድሕሪት