ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንወረዳ ታሕታይ አድያቦ ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ አቁሑ መካይን :መለዋወጢ አቁሑ ሞተር ሳይክል: ስራሕቲ ሕትመት: ፈርኒቸር: አቁሑት ኤለክትሮኒክስ: ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር አቁሑትን: መሳርሒ ፅሕፈት :አቁሑት ፅሬት: ስራሕቲ ኦፊስ አዉተሜሽን ናይ ፎቶኮፒ ስራሕቲ: ንጋረጅ ስራሕቲ ዝዉዕል ጉልበትን ንብረትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደለየ

ነዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግቡኡ ረቋሕታት

ናይ 2008 ዓ ም ግብሪ ዝከፈሉን ናይ 2009 ዓ ም ፍቃድ ዘሐደስኩምን

ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም ናይ 2009 ዓም ዘሐደሱን

ናይ 2009 ዓ ም ዘሐደስኩምን መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላየነት ክተቅርቡ እትከእሉ ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

ዝርዝር ሰነድ ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ 4 ዻጉሜን 2008ዓም ክሳብ 16 መስከረም 2009 ዓም ብምዕዳግ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ አዉራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክትወሰዱ ትክእሉ

እቲ ጨረታ 16 መስከረም 2009 ዓ ም ሰዓት 4 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ መቀለ ይክፈት

መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብ ሲፒኦ 5000 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

ቤት ፅሕፈትና መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተጫረቲ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

Â

ድሕሪት
ጨረታ መደብ