1 ተጫረቲ ናየዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉን ፍቃድ ንግድን ዘለዎም ዘሐደሱን ክኮኑ ይግባእ
2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ : መለለይ ከፈላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡን ናይ መስከረም 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
3 ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብስፒኦ ክትሕዝ ይግባእ
4 ን ዝተዳለወ ናይ ተጫረታ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 3 / 5 ብምዉሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ከብ ዝተጋወሐሉ 6/3/2017 ዓም ከሳብ 23/3/2017ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ትክእሉ
5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ 23/3/2017ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ 23/3/2017ዓም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይክፈት
6 በዓል መዚ እቶት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
7 ተጫረቲ ሕድሕድ ዝምላ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ
8 ነፍሰ ወከፍ እቲ ሰነድ ክቢ ማሕተም ፊርማን ክግበረሉ አለዎ
9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መራገፍን ከቅርቡ ይግባእ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁጽሪ ስልኪ 0344401875
ኣደራሻና ዓዲሓቂ ማሕበር ጉዳእተ ኩናት ህንፃ ይሓ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ጥቃ ዋና ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ
ድሕሪት