- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ 2008 ዓ/ም ክተቅርቡ አለኩም
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝበኩምዎ TIN ሰርተፊኬት ክተቅርቡ አለኩም
- ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም
- ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ሐዱሽ ካብ ጥሪ 1/2005 ዓ/ም ዝተመዝገብኩም
- ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርኩምዎ ንብረት አብ ዉሽጢ 10ተ ተከታታሊ ማዓልቲ አብ ዘይበልፅ ንብረት ብመጠንን ብፅሬትን አታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍክምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ
- መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ እቲ ኮፒ እተቅርብዎ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን አድራሻን ዘለዎ አብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ
- ተጫረቲ ዘይምለስ ንሕድሕድ ሎት 50.00 /ሓምሳ ብር/ እናከፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋ/ንብ/ምም/ር ካብ 27/04/2008 ዓ/ም ክሳብ 12/05/2008 ሰዓት 8:30 ናይ ቀትሪ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
- ናይ ጨረታ ዉሕስና መክብሪ ኤሌክትሮኒክስ 5000 CPO ከትሕዙ እትክእሉ
- ናይ ላፕቶፕን ዴስክቶፕን ፕሪንተርን ማሽን ንሓደ ዓመት ካብ ስብራት ወፃኢ ጋራንቲ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
- ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግ አብ ቢሮ ተቆሪፁ አታዊ ዝግበር ምዃኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንሲ ቫት ዝቆርፅ ምኻኑ ክፈልጡ ይግባእ
- እቲ ጨረታ ዕለት 12/05/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ቀትሪ ተዓሺጉ በቲ ዕለት 9:00 ሰዓት አብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ አብ ዝተረከበሉ ይክፈት
- ኤጀንስና ዝሐሸ መማረፂ ተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ 20% ምውክን ምቅናስን ዝክእል ምኻኑ ነፍልጥ
ዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብረኤል ቤተ ክርስትያን ዕዳጋ ብዕራይ ስልኪ ቁፅሪ 0342415092
ድሕሪት