https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1094
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 29, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ 2008 ዓ/ም ክተቅርቡ አለኩም
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝበኩምዎ TIN ሰርተፊኬት ክተቅርቡ አለኩም
  3. ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም
  4.  ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ሐዱሽ ካብ ጥሪ 1/2005 ዓ/ም ዝተመዝገብኩም
  5.  ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርኩምዎ ንብረት አብ ዉሽጢ 10ተ ተከታታሊ ማዓልቲ አብ ዘይበልፅ ንብረት ብመጠንን ብፅሬትን አታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍክምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ
  6. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ እቲ ኮፒ እተቅርብዎ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን አድራሻን ዘለዎ አብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ
  7.  ተጫረቲ ዘይምለስ ንሕድሕድ ሎት 50.00 /ሓምሳ ብር/ እናከፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋ/ንብ/ምም/ር ካብ 27/04/2008 ዓ/ም ክሳብ 12/05/2008 ሰዓት 8:30 ናይ ቀትሪ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  8.  ናይ ጨረታ ዉሕስና መክብሪ ኤሌክትሮኒክስ 5000 CPO ከትሕዙ እትክእሉ
  9. ናይ ላፕቶፕን ዴስክቶፕን ፕሪንተርን ማሽን ንሓደ ዓመት ካብ ስብራት ወፃኢ ጋራንቲ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
  10.  ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግ አብ ቢሮ ተቆሪፁ አታዊ ዝግበር ምዃኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንሲ ቫት ዝቆርፅ ምኻኑ ክፈልጡ ይግባእ
  11.  እቲ ጨረታ ዕለት 12/05/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ቀትሪ ተዓሺጉ በቲ ዕለት 9:00 ሰዓት አብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ አብ ዝተረከበሉ ይክፈት
  12. ኤጀንስና ዝሐሸ መማረፂ ተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ 20% ምውክን ምቅናስን ዝክእል ምኻኑ ነፍልጥ

ዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብረኤል ቤተ ክርስትያን ዕዳጋ ብዕራይ ስልኪ ቁፅሪ 0342415092