ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፃዕዳ እምባ ሞተር ሳይክላት ኣጫሪቱ ዕድጊት ክፍፅምን ብተወሳኪ ድማ ንስራሕቲ መስኖን መስተ ማይን ግልጋሎት ዝውዕላ ናይ ማይ ስትራክቸራት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ ::

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን  ወረዳ ፃዕዳ እምባ ሞተር ሳይክላት ኣጫሪቱ ዕድጊት ክፍፅምን ብተወሳኪ ድማ ንስራሕቲ መስኖን መስተ ማይን ግልጋሎት ዝውዕላ ናይ ማይ ስትራክቸራት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ረቋሕታት

• ኣብ ጣብያ ማይ መገልታ ቁሸት ቤትገብሪኤል ፍሉይ ሽሙ ራህያ ንመስተ ማይን ፈልሲ ጣብያን ፍልፍል ምጉልባት(SPRING DEVELOPMENT & CANAL CONSTRUCTION ) ደረጃ ፍቃድ ብርኪ 10' ን 9 ን ዘለኩም ዘለኩም ንግዲ ትካላት ብተወሳኪ ድማ ንናይ መስኖ ስትራክቸር ኣብ ጣብያ ሰንደዳ ቁሸት መለገትን ፀበላን ሪዘርቫየር ምስ ካናል ዝርግሐ ስራሕቲ ኣብ ጣብያ ማይመገልታ ቁሸታት ቤትገብሪኤልን ወንብሮን ዝርከባ ፍልፍል ካእቢ ፅገናን ካናል ዝርግሐን ክነስርሕ ስለዝደለና ደረጃ ፍቃድ ብርኪ 10' ዘለኩም ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ብርኪ 9'ን ንክትወዳደሩ ::

• ብስራሕቲ ህንፀት ስትራክቸር ማይ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን ስራሕ ልምዲ ከቕርብ ዝክእል ::

• ነቲ ዝስራሕ ስትራክቸር ዝውዕል ናይ ባዕሉ መሳለጢ ኣቁሑት ኣቅሪቡ ክሰርሕ ዝክእል :: ነቲ ካናል መጠነ ቁልቋለ ቀይሱ ክሰርሕ ዝክእል ::

• ተጫረቲ 1 ኦርጅናልን 1 ኮፒን ንቴክኒካል ሰነድ 1 ኦርጅናልን 2 ኮፒን ድማ ንፋይናንሻል ሰነድ በበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ብጠቅላላ ድማ ኣብ 1 ዓብይ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

• ካብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ን2017 ዓ/ም ዝተውሃበ ደረጃ ዝገልፅ ሰርትፊኬት ዘቅርብ ::

• ዝተውሃቦ ደረጃ ብርኪ ዝተሓደሰ ናይቲ ማሕበር ወይ ትካል ኦርጅናልን 1 ኮፒን ኣብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ግዜ ከቅርብ ዝክእል ::

• ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነት ፣ ቲን ካርዲን መረዳእታ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ::

• ንናይ መስኖ ህንፀት ስትራክቸር ማይ ቫት ሰርተፊኬትን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ::

• ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ብር እናከፈልኩም ካብ 02/07/ 2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/07/ 2017 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፃዕዳ እምባ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ምዉሳድ ዝክእል ::

• መክበሪ ጨረታ ንሞተር ሳይክል ንህንፀት ስትራክቸር መስተ ማይን ነኒ ሕድሕዶም ብር 4000( ኣርባዕተ ሽሕ ) ንህንፀት ስትራክቸር መስኖ ማይ ብር 10,000(ዓሰርተ ሽሕ) ድማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝውሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል ::

• እዚ ጨረታ ዕለት 17/07/2017 ዓ/ም ቅ/ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ቅ/ሰዓት 4: 30 ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፃዕዳ እምባ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::(ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ብዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝተርፍ ሰነድ ኣይህሉን )

• እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ወይ ከጭበርብር ዝሞኮረ ካብ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ ብመምርሒ መሰረት ሕጋዊ ስጉምቲ ይውሰዶ ::

• ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምቅማጥ ብፍፁም ኣይፍቀድን:: ተጫራታይ ኣብ ከይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልይዎ እቲ ጨረታ ውሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ቅሬታኡ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፃዕዳ እምባ ከቅርብ ኣለዎ ::

• ተጫራታይ ንዝሰዓሮ ድሕሪ 3 ናይ ቅረታ መዓልቲ ምሕላፉ ኣብ ውሽጢ 3 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፃዕዳ እምባ ብኣካል ብምቅራብ ውዕሊ ይኣስር::

• ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0914618815 / 0945103045 / 0962661097 ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ