ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንናይ ቤት ፅሕፈቱ ግልጋሎተ ዝዉዕል ምድብ ሐደ ቶታል ስቴሽን ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈለኩምን በቲ ዘፈር ስራሕ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚርኩም ከሳብ 12/9/2016 ዓም ሰዓት 11:00 ጥራሕ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ቶታል ስቴሽን ብናይ ኢትዩጰያ 5000 /ሓመሽተ ሽሕ ቅርሺ / ጥራሕ  ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብባንኪ ዝተረጋፀ ስፒኦ ወይድማ ጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ከትሕዙ አለዎም

7 ናይ ሐደ ዓመት ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

8 ናይ ሐደ ዓመት ካሊብሪሽን ሌተር ከትሕዝ ዝክእል

10 ሳንዱቅ ጨረታ 13/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ተጫረቲ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም ግን ዝዓግቲ ነገር ኣይህልዉን

11 ዝምልእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

12 ኣብቲ ዝምልእ ዋጋ ብዝዓብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝምለእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግብር

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝቁፀር ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ካልአይ ደብሪ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል

14 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተም ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

15 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብር አለዎ

16 ካብዚ ወፃኢ ዝኮነ ይኩን ሕቶ ቤት ፅሕፈትና ዘይተኣናግድ ምካኑ ነፍልጥ

17 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881

ድሕሪት
ጨረታ መደብ