ማአኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ 2012ዓ/ም ዓመት ነቲ ማእኸል ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒህንፃ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶን ክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 27, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 12, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000.00
  • ቦታ: ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 12, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ዘቅርቡ

2 ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምዃኖም ዘረጋግፅን ግብሪ ኸፈልቲ ዝተውሃበ መለለይ ቁፅሪ (ቲን) መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ብትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት ) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡ፤

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራርደኩም መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ንኹሎም መረዳእታ ዘይምለስ ቅዳሕ ክትቅርቡ ትኽእሉ ኣለኩም፤

7 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ናይቲ ትካል ሽምን ክታምን ማህተምን ኣድራሻን ክተቅምጡ ይግባእ።

8 ጨረታ ካብ 27/01/2012 ዓ/ም ክሳብ 12/02/2012 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኾይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 12/02/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00ድሕሪ ሰዓት ኾይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ ዝኸውን ንህንፃ መሳርሒ 15000.00 ( ዓሰርተሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ ንመሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ምቅራብ ይከኣል።

10 ዝሰዓረ ተጫራቲ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይበ ሲፒኦ ኣትሒዞም ከምኡውን ዝሰዓረ ተጫራታይ ልዕሊ 10000.00 (ዓሰርተሽሕ) ዝግመት ንብረት ኣታዊ እንተገይሮም 2% ዊዝ ሆልዲንግ ዝኽፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም።

11 ከምኡውን ዝሰዓረ ተወዳዳራይ እቶም ዝሰዓሮም ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን ማለትውን ዝርዝር መዐቀኒ ረቋሕታት ብፅሬት ብናይ ባዕሉ መጓዓዕዝያ ናብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣታዊ ከምዝገብር ክፈልጥ ኣለዎ።

12 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደ/ከ/ስ/ምም/ርን/ንብረትን ቁፅሪ 06 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

11 እቲ ቤት /ፅ/ት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ0347-711668/0347-711227 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ