ናይ ህንፃ መሳርሒ
ናይ ስነ ፅባቐ ከስሞቲክስ
ናይ ጥልፍን ቅድን ስፌትን
ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደረቲ ይዕድም
ኣብቲ ዉድድር ክትሳተፉ ትደልዩ
ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ዘቕርብ::
አብ ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገበ መኮኑ ክሳብ መስከረም 30 /2008 ዓ/ም ምኽፍል ዘረጋግፅ ዴክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቕርብ ዝኽእል::
ግብሪ ከፋሊ ምዃኑ ናይ ግብሪ ከፋሊነት መለለይ ቁፅሪ/ ቲን ናምበር / መረዳእታ ከቕረብ ዝኽእል::
ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብ /ካብ ኢትዩያ ንግድ ባንከ ኣፍለጦ ዝተወሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል::
እቲ ጨረታ ምስዓሩ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት/ መጎዓዝያ /ናብ ማእ መሰ ጉድኣት ኣካል ከቕርብ ዝኽእል::
ጨረታ ስዒሩ ዉዕሊ ምእሳር ፍቓደኛ ዘይኮነ ተጫራቲ መቅረቢ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዘ ገንዘብ አይምለሰሉን ናብ ትካልና ኣታዊ ይኸዉን
ተጫረቲ አብ ናይ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኮኖም ዘረጋግፅ ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝክእል::
ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ አብ ማእኸል መሰልጠኒ ጉድኣት አካል መቐለ ንብረት ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምቕራብ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 20.00 ከፊሎም ምስ ወሰዱ ዝጫረትሉ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ /እዚ ምልክታ ካብ ዘወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ዘተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይኽእሉ::
ተጫረቲ መወዳደሪኹም ካብ 16/02/08 - 06/03/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ናብ ማእ/መሰ/ጉድ/አካል ክትቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም::
ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 06/ 03 /2008 ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ቅ /ሰዓት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት::
እዚ መሰልጠኒ ማእኽል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
ተጫረቲ ሰዓርቲ ምኮኖም ምስ ተነገሮም አብ ዉሽጢ 5 ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክትአስሩ እትክእሉን ካብ ዝሰዓርኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ክተትሕዙ ፈቃደኛታት ዝኾንኩምን ዉዕሊ ክትአስሩ ፈቓደኛታት ተዘይኾንኩም መቕረብቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዝክምዎ ገንዘብ ናብ ትካልና አታዊ ዝግበር ምኮኑ ንገልፅ::
ተጫረቲ ስዓረቲ ምኻኖም ምስ ተነገሮም ንዘቕርበዎ ንብረት መርአይ ከቕርቡ አለዎም::
ጨረታ ዝኽፈተሉ አብ ቑፅሪ 10 ተ ዝተጠቀሰ ከምዘሎ ኮይኑ ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪል/ ብእዋኑ ከቕርቡ ብዘይ ምክአሎም ሰዓት ዝተወሐሉን ዘይተከፈተ ዝተርፍ ፖስታ ዘየለ ምካኑ ኩሎም ተወዳደረቲ ከትፈልጡ ይግባእ::
ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ተዘይ አቕሪቦም ናይ ዝዘንግዐሉ መዓልቲ ካብ ዝሰዓርዎ ገንዘብ በቢ መዓልቲ 1/1000(0.001) ዝቕፅዑ ምካኖም ::
እዚ መሰ/ኣካል ወይከዓ ትካልና ከም ኩነታቱ ክሳበ 20 % ክዉስክን ክቕንስን ይኽእል እዩ ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ
ብስልኪ ቁፅሪ 0914780376 /0914734567 /0914749629 ደዊልካ ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ::