ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም መለዋወጢ ኣቅሑ መካይን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 14, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 21, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 21, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ (ቲን) ዘለዎን መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝኽእሉ ከምኡውን ናይ ወርሒ ጥሪ / ለካቲት/ሚያዝያ መጋቢት ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 ሰነድ ጨረታ ካብ 06/09/011 ዓ/ም ክሳብ 21/09/2011 ዓ/ም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 23 ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

3 ጨረታ መክበሪ ብር 5,000.00 ሽሕ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም::

4 እቲ ጨረታ 21/09/2011 ዓ/ም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 9:00 ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ቦታ ይክፈት።

5 እቲ ቢሮ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከምኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

6 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልቲ ይኸውን።

7 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ እተቅርብዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ክተቅርቡ ኣለኩም። ቫት ያስጨምራል (ቫት ይሓውስ እዩ) ኢልካ ምፅሓፍ ኣይከኣልን።

8 ሰዓራይ ዘሰዓሮም ኣቅሑት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብቲ ቢሮ ኣታዊ ይገብር።

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ዝርከበሉ ቦታ ኮምፕሌክስ (ናይ ሓባር ህንፃ) ብኣካል ብምምፃእ ብስ.ቁፅሪ 0344-408877 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ