ንምምሃር ምስትምሃርን ምምሕዳር ስራሕትን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ብግልፂ ጨረታ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ንብረት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
ህንፃ መሳርሒ
ሑፃን ፀፀርን
ፅሕፈት መሳርሒ
ኤለክትሮኒክስ
ኤለክትሪክሲቲን
ተጨረቲ ክተማልእዎም ዝግበአኩም ረቋሒ
- ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
- ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊልኩም ናይ 2008 ዓ ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ሰርትፍኬት መረዳእታን ዘለኩም
- መክበሪ ጨረታ ን ህ/መሳርሒ 20,000 (ዒስራ ሽሕ) ፣ ንሑፃን ፀፀርን ፣ንፅሕፈት መሳርሒ ፣ኤለክትሮኒክስን ኤለክትሪክሲቲን ንሕድ ሕዶም 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከተትሕዙ እትክአሉ
- ዝሰዓርክምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ዓሰርቲ መዓልቲ ናብ ኮለጅና ንብረት ክፈሊ ብናይ ባዕልኩም ትራንስፖርት ምቅራበ ትክእሉ
- ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ህንፃ መሳርሒ 50 (ሓምሳ ብር)፣ ናይ ሑፃን ፀፀርን ፣ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤለክትሮኒክስ ኤለክትሪክሲቲን 40 (ኣርብዓ ብር) ዘይምለስ እናከፈልኩም ኩሉሻዕ ብስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 05 /02 /2008 ዓ∙ ም ክሳብ ዕለት 18/ 02 /2008 ዓ ∙ም ካብ ኮሌጅና ቢሮ ቁፅሪ 5 ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣታዊ ትገብሩ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ሳነዱቅ ብዕለት 18 /02 /2008 ዓ ም ሰዓት 8 :30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡ 00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ብዘለዉዎ ይክፈት
- ናይ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዘሸነፍክምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብሲፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ
- ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኩቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ መስራዝ መሰል ኣለዎ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0348519007 /0345510026 ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት