ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ካብ ጅፒ ዝተረከበ በጀት ምድብ 1 ዲስክቶፕ ኮምፒዩተር፣ ላፕቶፕ ኢንተርኔት፣ ምድብ 2ንኣካል ጉድኣት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ማለት ጆስ ሶፍትዌር ፣ ቶኪንግ ዲክሽነሪ፣ ቶኪንግ ካልኩሌተር፣ ዲጅታል ቮይስ ሪከርደር፣ ኢንቮይስ ሶላር ኦዲዩ ፕለየር ፣ ፕረየር ራይተር ፓርኪንግ ሰን፣ ምድብ 3 ዲጅታል ካራ ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፋቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም

3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 03/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 19/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

7 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 19/092011 ዓም ሰዓት 8:45 ይዕሸግ። በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።

8 መከበሪ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ።

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤

11 ዝኾነ ተጫረታይ ቤት ዕዮና ኣብ ዘቀመጦ ዝርዝር ምውሳኽ ወይ ምንካይ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝገብር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ