ኣብቲ ጨረታ ክካፈል ዝደሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቑሒታት
1 ናይ ምጭራት ዓቅሚ ዘለዎ ኩሉ ምስታፍ ዝክእል ምዃኑ፤
2 እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 15/08/2011ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም ንተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጨረታ ሰነድ ብምግዛእ ከጫረት ዝክእል፤
3 ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ምውሳድ ይክእል፤
4 ተጫራቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ብር 500.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤
5 ተጫራቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ካብ ዝሰዓርዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከልዕል ዝክእልን እንተዘይኣልዒሉ ድማ ዘትሓዞ ጨረታ መከበሪ ብሕጊ ፋይናንስ መሰረት ይውረስ፡፡
6 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 07/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት
7 ተጫራታይ ንዘሸነፎ ንበረት ናይ ጉልበት ዋጋ ይኩን ንዝምዘኑ ንብረታት ናይ ሚዛን ኪራይ ወይ ካልኦት ወፃኢታት ብሙሉኦም ባዕሉ ክሽፍን ዝክእል፤
8 ናይቲ ንብረት በዝሒ ክቅንስን ክውስክን ስለዝክእል እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ክጫረት ዝክእል፤
9 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋክል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ኣድራሻና ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ዝርከበሉ ቦታ ጥቃ ፎቶ ደስታን ጥዕና ጣብያን መቐለ እዩ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-419467 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት