ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ግልጋሎት ዝህባ ዘለዋ መካይን ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት/ስፔር ፓርት/ ንምግዛእ በቲ ዘፈር ዓውደ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንምግዛእ ን2ይ ግዜ ዕለት 01/06/2011ዓ/ም ብቁፅሪ ኮ/ሀ/ዕ/ን/ምም/ር/588/11 ኣብ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ተጫረቲ ስለዘይቀረቡ ዝቀረበ ሓደ ተወዳዳሪ ውን ዝተጋነነ ዋጋ ስለዘቀረበ ውድቂ ስለዝኮነ ን3ይ ግዜ ብዘፈር ዓውደ ስራሕ ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም ነጋዶ ንግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 28, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 10, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ: ኮረም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 10, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 በዘፈር ዓውደ ስራሕ ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

2 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ወርሓዊ ዲክሌር መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይነትን ዝተመዝገብኩምሉ ቲን ናምበር መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

4 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 26/06/2011ዓ/ም ክሳብ 10/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ኮረም ሆስፒታል ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ዘይምለስ ብር 50.00 እናከፈልካ ብምውሳድ ይከኣል፤ መከበሪ ጨረታ ብር 4000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ኣብ ኮረም ሆስፒታል ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ይግበር፤

5 ሰነድ ጨረታ ዕለት 10/07/2011ዓ/ም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ኮረም ሆስፒታል ቢሮ ቁፅሪ 33 ይክፈት፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃልይዎም ጨረታ ንክኽፈት ሰለስተ መዓልቲ ክተርፎ ከሎ ንዝቀረበ ሕቶ ተቀባልነት የብሉን፤

7 ኣብ በዝሒ 20 ሚኢታ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

8 ሆስፒታልና ዘሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-510059/0914-751209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤

ድሕሪት
ጨረታ መደብ