ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መደባይ ዛና ንኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈትን ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ንዝኾንኩም ናይ 2010 /2011ዓ/ም ግብሪ ኸፊልኩም  ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል ፤

2 ኣብ ተዋሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ንዘይኮኑ ድማ ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ከፊሎም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ (ቲን) ከፋላይ ግብሪ ክቅርብ ዝክእል

4 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ ክቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራደድሉ መረዳእታ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእል

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናስን  ወረዳ መደብ ኣይዛና ቢሮ ቁፅሪ 14 ምዉሳድ ይክእሉ ።

7 መክበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመሳርሒ ፅሕፈት 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 18/03/2011 ዓ/ም- 03/04/2011ዓ/ም ኮይኑ 03/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ቅ.ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት።

9 ሰዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ንዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ኣታዊ ክገብር አለዎ።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ሕድሕድ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽን ምንካይን መሰል ኣለዎ።

11 ሰዓራይ ኣካል ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% ብሲፒኦ ከትሕዝ ኣለዎ።

12 ሰነድ ጨረታ ዋና ማለት ኦርጅናል ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዝጫረትዎ ዓይነት ጨረታን ናይ ተጫራታይ ሽም ፈርማን ማህተምን ተገይርሉ ክቀርብ ኣለዎ።

13 ተጫራቲ ኣብ ሕድሕድ ዓይነት ገፅ ሰነድ ጨረታን መምርሕን ማህተምን ፊርማን ከገብረሉ ኣለዎ።

14 ስርዝ ድልዝ ሃልይዎ ዘይትፈረመሉ ሰነድ ጨረታ ዘቅረበ ተወዳዳራይ ተቀባልነት የብሉን።

15 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ እትወዳደሩ ተወዳደርቲ ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ዘይምዝጉባትን ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኩም፤

16 ንመሳርሒ ፅሕፈት እትወዳደሩ ተወዳደርቲ ግን ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ጥራይ ክትኾኑ ኣለኩም፤

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-760316 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

መተሓሳሰቢ- ተወዳደርቲ ዘድልዩ ረቋሕታት ኣማሊኦም ናብ መወዳደሪ ሳንዱቅ ጨረታ ብግዚኡ እንተኣእትዮም ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ጨረታ በዘይ ምርካቦም ካብ ጨረታ ወፃኢ ኣይኾኑን።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ