ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤሌክትሮኒክስ ስፔር ፓርትን ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም፤

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዲከለር ዝገበርኩም  

3 ብመቅረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (ቲን) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ክተቅረቡ እትኽእሉ፤

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም  ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲና ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

6 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ብር ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 02/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ንምኸፋት አይተዓናቀፍን።

8  ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ