ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ መካይን ጎማ ስራሕ (ጎሚስታ) ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 19, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 2, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • ፅገና ተሽከርካሪ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተወዳደርቲ ሕጋዊ ነጋዶ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ እትኽእሉ

2 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( ቲን) ዝተመዝገብኩም ምዃኖም መረዳእታ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

4 መቅረብቲ ካብ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

5 ተጫረቲ ምስ ሰዓሩ ውዕሊ ክኣስሩ ይግደዱ።

6 ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ብምኽፋት ኣይተዓናቐፍን።

7 ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ