ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፈላን ቤት ፍርዲ ከተማ ኮረምን ግልጋሎት ዝውዕል ካብዚ ሎት 1 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ሎት 2 ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቱ፣ ሎት 3 ዝተፈላለዩ ናይ ፅሬት ኣቁሑት፣ሎት 4 ዝተፈላለዩ ኮምፒዩተርን ተዛመድትን ኣቑሑት ክዕድግ ይደሊ።

1 ካብ ሎት 1-4 ዘሎ በብዘርፉ ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኑ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል፣ናይ 2010 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም፣ ቲን ናምበር ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ሰርቲፊኬት ከቅርቡ ዝኽእሉ

2 ንሕድሕድ ሎት ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቕርሺ) ብጥረ ገንዘብ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝኽእል

3 ናይ ውዕሊ መኸበሪ ካብቲ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ፣ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከትሕዝ ዝኽእል

4 ዝወዳደሩ መቅረብቲ መሸነፋይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፅሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል

5 እቲ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 ተኸታታሊ መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ክምላእ ኣለዎ ኮይኑ ግና ንምንባብ ዘየፀግም ስርዝ ድርዝ እንትሀልዩዎም ናይ መቅረባይ ፊርማ አብ ጎድኑ( ብልዕሊኡ) ክግበር ኣለዎ።

7 ነቲ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ካብ ጨረታ ይስረዝ ንቀፃሊ ኣብ ዝወፅአ ጨረታ ንከይሳተፍ ንክልል ሰርኩላር ይፃሓፈሉ ዘትሐዞ ቢድ ቦንድ (መኸበሪ ጨረታ) ይውረስ

8 ጨረታ ምስ ተኸፈተ ካብ ጨረታ ንዓርስካ ምግላል ኣይፍቀድን

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሽም፣ፊርማ፣ኣድራሻን ማሕተምን ክህልዎ ኣለዎ።

10 ሰነድ ጨረታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ነንበይኑ ብዝተዓሸገ 2ተ ፖስታ ከቕርብ ኣለዎ።

11 ኣሸነፍቲ ዝኾኑ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን መፅዐኒን መራገፊን ሓዊሱ አብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላን ከተማ ኮረምን የረክብ።

12 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ካብ ንኡስ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ርን ብምምፃእ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 20( ዒስራ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 02/02/2011ዓ/ም -16/02/2011 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ ዕለት 16/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላ ይኽፈት።

13 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡእቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ