ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ መሳርሒ ፅሕፈት: ሕትመት መለዋወጢ አቁሑት መኪና: መለዋወጢ አቁሑት ብሽክለታ: ዕጥቂ ስፖርት: አቁሑት ፅሬት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ 2010 ዓም ግብሪ ዝከፈለ 

2 ናይ 2011 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ 

3 መሳርሒ ፅሕፈት ሕትመት መለዋወጢ አቁሑት መኪና መለዋወጢ አቁሑት ብሽክለታ ዕጥቂ ስፖርት ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል 

4 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን ከምእዉን ናይ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይ ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተኣገደ ዝኮነ ይኩን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን

6 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕብ ስጎምቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ 

7 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣዲያቦ ክትወስዱ ትክእሉ 

8 እቲ ሰነድ ሽም: ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ 9 እዚ ሰነድ እንትምልኣ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒታት መሰረት ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ ዝርዝር ረቆሒታት ምእታዉ ኣይፍቀድን 

10 ግልፂ ምስ ኣይኮነን አሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ክሐትት ይግብእ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 45 መዓልቲ ይከዉን 

12 መከበሪ ጨረታ ንነብስከወፍ መሳርሒ ፅሕፈት ሕትመት መለዋወጢ አቁሑት መኪና መለዋወጢ አቁሑት ብሽክለታ ዕጥቂ ስፖርት 5000 ቅርሺ ንአቁሑት ፅሬት ድማ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ይከዉን 

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከአሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕል መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል 

14 ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ድማ ቀልጢፉ ንብረት ኣታዊ ዝገብርን ቐልጢፉ ድማ ከወራርድ ዝክእልን 

15 ብተወሳኪ እቲ ዝሰዓረ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ተጠቀምቲ ዘቅርብ 

16 ሰነድ ጨረታ ካብ 28 ነሓሰ 2010 ዓም 7 መስከረም 2011 ዓም ምዉሳድ ይከኣል 

17 ጨረታ 8 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ይክፈት 18 ብተወሳኪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ እቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ

19 እተ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ኮን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ 

20 ጨረታ ምስተከፈት ከም ኣድላይነቱ ነቲ ዝግዛእ ኣቅሓ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344320094

ድሕሪት
ጨረታ መደብ