ሰሊዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ዝሰዕብ ረቀሒ ክተማልኡ ይግባእ
- ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግድ 2010 ዓም ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ መስከረም 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መረዳእታ መቅረባይነት 2010 ዝሓዝኩም
- ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ናከፈልኩም ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2010 ዓም ክሳብ ሕዳር 1 2010 ዓም ክትወስዱ ትክእሉ
- ጨረታ 1 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 30 ይክፈት
- መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ህንፃ 6000 ቅርሺ ንኤለክትሮኒክስ Â 5000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት ኤለክትሪክ አቁሑት ፅሬት ስፔርፓርት ፅሬት መሳርሕን ሕትመትን ድማ ንሕድሕድ 3000 ቅርሺብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ውይ ጥረገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ
- ተጫረቲ ነንሕድሕዶም ኤለክትሮኒክስ መሳርሕታትን ናይ ኮምፒተር ቀለምን ናይ6 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
- ትካልና ካብ ዝሰዓርዎ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል አለዎ
- ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መክበሪ ብምሓዝ ኣብ ዉሽጢ 3 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
- ሰዓርቲ ጨረታ ካብ ዝሰዓርኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዓለኩም መጋዕዝያ ናብቲ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ
- ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ንተከታተልቲ 45 መዓልቲ ይከዉን
- ተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ ታክስ ዝሓወሰ ክከዉን ይግባእ ኣብ ሰነዱ ዘየማላከተ ተዋዳዳሪ ተወሳኪ ታክስ ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
- ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ
- ከተማ ሽራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይካየድ እዞም ብዘይምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን
- እቲ ትካል ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500382 ወይድማ 0914776766 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት