ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድ ሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቑሑት ክዕድግ ይደሊ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስተትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት (Spare parts)

ሎት 2 ናይ እንስሳት መድሓኒት

1 ብተዛመዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቐረባይ ዘተመዝገብን ግብሪ ምክፋሉ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ መኪና መለዋወጢ ጨረታ መትሓዚ ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ

3 ናይ እንስሳት መድሓኒት ጨረታ መትሓዚ ብር 2000 (ክልተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ

5 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2008 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መዳእታ ፈፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርቡ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ/ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገቡ :ቃለ መሓላ : ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ

7 ሰነድ እቲ ጨረታ አብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 20 (ዒስራ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቐረብዎ ናይ መወዳደሪi ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም

8 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብረሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቐደም ካብ ዘተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 44 05 49 ክሓቱ ይኽእሉ

9 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 17/02/2009 ዓም እስካብ 01/03/2009 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 01/03/2009 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለትዉን 01/03/2009 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋጉልን

10 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

አድራሻ : ሽረ ማይክሮ ፋይናንስ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ