ምድብ 1 ቀወምትን ሃለቅትን ንብረታት መሳርሒ ፅሕፈትን
ምድብ 2 ናዉቲ አሌክትሮኒክስ
ምድብ 3 መለዋወጢ አቁሑ መኪና ጎማታት መኪናን
ስለዚ
1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መስከረም 2009 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ዝተሐተተ Â ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ኤለክትሮኒክስ 100. 00 /ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 19 ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ 7000 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 23 /02/2009ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ንጎሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጎሆ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን
13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344410529 / 0344406200
ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::
ድሕሪት