1 ኣግባብንት ዘለዎ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል
2 መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ምካኑ ከቅርብ ዝክእልን 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክከፍል ዝክእል
4 ተቀርብዎ ዓይነት ስራሕ ፍቃድ ንግዲ ዋና ከቅርብ ዝክእል
5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተአገደ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን
6 ከይዲ ጨረታ ብዛይኣግባብ ምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
7 ነበስወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ክፍሊ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ሒሳብ ክፍሊ ክትወስዱ ትክእሉ
8 እትልእክዎ ነብስ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ሽም ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ክዓርፈሉ አለዎ
9 ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ዝተቀመጠ መዓቀኒ ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ መዓቀኒ ማለት አዉን እስፐስፊኬሽን ምእታዉ ኣይፍቀድን
10 ግልፂ ኣይኮነለይን ኢሉ ምስዝኣምን ብኣካል ቀሪቡ ክሓትት ይግባእ
11 መክበሪ ጨረታ ንቁፅሪ ሐደን ክልተን ንነብሰወከፍ 2000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
12 ንቁፅሪ ሰለሰተ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ንቁፅሪ ኣርባዕተ ድማ 4000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ንቁፅሪ ሓሙሽተን ሽድሽተን ነብስወከፎም 1000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
13 ሰዓራይ ዉዕሊ ክአስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ክትሕዝ አለዎ
14 እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይብሉን እንተሃሊዎ ድማ ፊርማን ማህተምን ክዓርፈሉ አለዎ
15 እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
16 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ናይቶም ዝርዝር ኣቅሑት ክሳብ 20 መእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
17 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ንናይ ኤሌክትሮኒከስ ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝክእል
18 ጨረታ 23/3/2017 ዓም ዓም ክሳብ 7/4/2017 ዓም ኮይኑ ጨረታ ሳፁን ዝዕፀወሉ ድማ 8/4/2017 ዓም ኮይኑ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተከፊቱ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
19 ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ካልኦት ወፃኢታትን ብምሽፋን ናብ ቤት ፍርዲ ምምዳር ዓዲ ዳዕሮ ክፍሊ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ዘረክብ
20 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
20 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943692548 0914386005
ድሕሪት