ቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካል ጉዱኣት ኲናት ሰራዊት ትግራይ ናይ ምግቢ እታወታት ብግልፂ ጨረታ ኣውዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 6, 2017 (10 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 10, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ብቡ ሎቱ ዝተፈላለየ አዩ
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 10, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ኣቅርቦት ምግቢ /
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ (መስተኻኽለ )

ቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካል ጉዱኣት ኲናት ሰራዊት ትግራይ ናይ ምግቢ እታወታት ብግልፂ ጨረታ ኣውዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ።

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ

2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት

3. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት

4. ናይ ቫት ሰርቴፊኬት

5. ናይ ወርሒ ነሓሰ /መስከረም /2017 ዓ/ም ቫት ዴክሌር ዝገበርኩ ሙሉእ መረዳእታ ንክተቕርቡ እትኽእሉ

6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ናይ ምግቢ እታወታት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ ተኸታተልቲ መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማእኸክል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ መለስ ኣካዳሚ ክተቅሩቡ ትኽእሉ፣

7. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ፣

8. ተጫረቲ ዘይምለስ 300.00/ ሰለሰተ ሚኢቲብር / እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ሕውትን እግሪ ምትካል ጉዱኣት ኲናት ሰራዊት ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ጥቃ ሓወልቲ ሰማእታት ወይ ደብረ ዳሞ ፊት ንፊት ዝርከብ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ህንፃ 2ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 101 ካብ 26/02/2017 ዓ/ም ክሳብ 10/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም

9. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ናይ-ናይ ምግቢ እታወታት ሎት-1 3000.00 (ሰለሰተ ሽሕ ) ብር ፣ሎት-2 3000.00 (ሰለሰተ ሽሕ ) ብር ፣ሎት-3 3000.00(ሰለሰተ ሽሕ ) ብር ፣ ሎት- 4 3000.00(ሰለሰተ ሽሕ ) ብር ሎት-5 3000.00 (ሰለሰተ ሽሕ ) ብር ብCPO ፣ ብጥረ ገንዘብ ፣ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ትኽእሉ

10. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም።

11. ተጫረታ ዘእተዉዎ ዋጋ ቫት ዘይሓወሰ ወይ ዝሓወስን ምዃኑ ክገልፁ ይግባእ

12. ተወዳዳራይ ኣብ ናይ መንግሰታዊ ትካላት እግድ ዘይብሉ ምዃኑ

12. ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ፀኒዑይፀንሕ፡፡

13. እቲ ጨረታ ዕለት 10/03/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳላሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኸፈት፡፡

14. ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ወይም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን፡፡

15. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

16. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ሓወልቲ ደብረ ዳሞ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 101 ምሕታት ትኽእሉ ኢኹም።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ