ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳርን መጎዓዝያ ዝርከብ ከይዲ ስራሕን መንገዲ ምዕባል ገጠር ወረዳ ሳሕርቲ ሳምረ ኣብ ናይ 2017 በጀት ዓመት ብናይ መዘጋጃ ከተማ ሳምረ ናይ ፅገና መንገዲን ናይ ፎርም ወርክ ስራሕቲ ንምስራሕ ስለዝደለና ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት ንዘማልኡ ተጫረቲ ከስርሕ ይደሊ

1 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ደቀቅቲን ኣናሽተይን ደረጃ 8 ኮይኑ RC ወይ GC ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት መዝገባ ፍቃድ ዘለዎም

2 ናይ 2016 ዓም ግበሪ ዝከፈለሉን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

3 መለለይ ከፋላይነት ግበሪ ወይ ቲን ናምበር ዘለዎ

4  ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬትን መስክር ወረቀት ተወሳኪ እሰት ታክስ ዘለዎን ካብ ናይ 2012 ዓም ክሳብ 2016 ዓም ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተራያንት ምዝጋበ ካርድን ዝተሐደሰ ናይ ደቀቅቲን ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ምስክር ወረቀት ዝተሐደሰ ከቅርቡ ዝክእሉን

5 ናይ ወርሒ ሐምለ 2016 ዓም ሒሰብ ዘወራረዱን

6 ተጫረቲ ካብ 8/1/2017 ዓም ክሳብ 27/1/2017 ዓም ሰዓት 2:30 ኣብ ዘሎ ናይ ንጉሆ እዋን 300 ቅርሺ  ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሳምረ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጎዓዝያ ዝርከብ ከይዲ ስራሕን መንገዲ ምዕባል ገጠር ወረዳ ሳሕርቲ ሳምረ ብምዉሳድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ኣብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ናይ ተጫረቲ ሽምን ኣድራሻን ፊርማን ዘለዎ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ዋጋ አብ እትመልእዎ ግዘ ነፃላ ዋጋ ማለት ሬት ብኣሃን ፊደለን ዝምላእ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ፍሉድ እንተዳሃልዎ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

8 ተጫራታይ አብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ቅናሽ ወይድማ እርሚት ብገንዘብ ወይድማ ብብር ጥራሕ እንተቀሚጡ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

9 ጨረታ 28 /1/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ አብ ዉሽጢ 30 ደቃይቅ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት  ህንፀትን ምምሕዳርን መጎዓዝያ ይክፈት

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 45000 / ኣርባዕን ሓሙሽተን ሽሕ / ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ የትሕዙ

11 እቲ ዝተትሓዘ ገንዘብ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ንካልኦት ተጫረቲ ይምለስ

12 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ መንገዲ ወይድማ  ፕሮጀከት ዉዕሊ ስራሕ ካብ ዝአሰርሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታታሊ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል ምካኑ ከረጋግፅ አለዎ

13 ከይዲ ስራሕ ምዕባለ ገጠር ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0975004677 / 0925450115

ድሕሪት
ጨረታ መደብ