SOS Childrens'Village HGFD Emergency Project ኣብ 2016 በጀት ዓመት ናይ ዴስክቶፕ ኮምፑዩተር ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ቤት ትምህርቲ ዝኸዉን ብብርኪ ክልል ብ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቁፅሪ: አስተ-623-12/16

ዕለት: 20/12/2016 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ ቁፀሪ 02/2016

SOS Childrens'Village HGFD Emergency Project ኣብ 2016 በጀት ዓመት ናይ ዴስክቶፕ ኮምፑዩተር ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ቤት ትምህርቲ ዝኸዉን ብብርኪ ክልል ብ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት እንተነኣሰ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ተጫረቲ መምርሒ ክተማልኡ ይግባእ።

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፡

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፡ ንተወሳኺ እሴት

ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2016 ዓ.ም ዣት ድክላሬሸን ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፡

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ብተጫርቲ ዝቕርቡ ሰነዳት ህጋዊ ማህተምን ፊርማን ዝአረፎም ክኾኑ ይግባአ

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ዉሸጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሩ ብዉዕሉ መሰረት ናብ ቤት ዕዮና ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፡

6. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ቤት ዕዮና ካብ ዕለት 20/12/2016 ዓ/ም ክሳብ 27/12/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትኽእሉ፡

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ 150,000.00 ቅርሺ ብም SOS Childrens'Village ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዮና ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

8. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ዝፍፀም ይኸውን።

9. እቲ ጨረታ ዕለት 27/12/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ኣብ ቤት ዕዮና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

10. ቤት ዕዮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

11. እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ቤት ዕዮና ናይቲ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንዕ ክውስኽ ይክእል እዩ።

12. ዝሰዓረ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ቶም ንብረታት ክቕርብ ዝኽእል

13. ዝዕድግ ዝርዝር ንብረትን መምሎኢ ዋጋ ከምዝዕብ ቀሪቡ ኣሎ

ዋጋ ምቕርቢ ቕጥዒ Table of Price Schedule and Required

ተቁItem Description
ዓይነት ንብረት
unit
Unit

መለኪዒ

Quantity ብዝሒUnit price
ናይ ሐደ ዋጋ
Total price

ጠቅላላ ዋጋ 

Remark

መብርሂ

1Desktop
Dell OptiPlex Core i3,10th generation (Quad Core, 6MB, 3.30GHz w/HD4600 Graphics) processor 8GB 1600MHz DDR4 Memory with 4 slots 500GB 3.5inch SATA (7,200 RPM) Hard Drive 19" LCD adjustable screen US Keyboard and external speakers Power cable European two pin
pcs23

ሓበሬታ፡-ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914 02 39 88 /+251914 03 03 84 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ