ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 3, 2016 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 13, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50,000
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ነሓሰ 13, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ቁፅሪ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መ-/15056/2/16

ዕለት 3/ 12/2016 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ። እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎምን ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ (ብዘይ ቫት) ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 03/12/2016 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ ዕለት 13/12/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ፡፡

5. ተጫረቲ ናይ ባዕሎም ሳምፕል ሒዞም ክመፁ ይግባእ ፡

6. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 13/12/2016 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት፡፡

7. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

8. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

9. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ።

10. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ እቲ ትካል 7.5% ቫት ዘኽፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ።

11. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ጠቕሊሉ ኣታዊ ክገብር ይግባእ፡፡

12. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

13. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ‚ ግባእ፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ