ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት : ሎት ክልተ መሳርሒ ሕትመት : ሎት ሰለሰተ ላፕቶፕ ኮምፒተር : ሎት ኣርባዕተ ሃንድ ዎሽ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ምዝገባ ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 መክበሪ ጨረታ ንነብሰከፍ ሎት 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሎት ሐደን ክልተን ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዋናን ቅዳሕን ብክልት ፖስታ ሎት ኣርባዕተን ሰለሰተን  ፋይናንሻልን  ቴክኒካልን ዋናን ቅዳሕን ብኣርባዕተ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ዕለት 15 ሐምለ 2016 ዓም  ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ  ኣብ አየር ዝፀንሕ እንትከዉን ዕለት 1/12/2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

8 ተወዳደዳራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ንፁር ሐበሬታ መሰረት ከቅርብ አለዎ

9 ኣብ መወዳዳሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይሐወሰ ተወዳዳራይ ተወሰኪ እሴት ታክስ ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ

10 ተጫራታይ ብስፐስፊኬሽን መሰረት ተሰዒሩ ኦርደር ካብ ዝተዉሃቦ ዕለት ጀሚሩ ሰለሰተ መዓልቲታት ስራሕ ዉዕሊ ይኣስር

11 ሰዓራይ ትካልዉ ዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ሎት ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት ፅሕፈት :   ሎት ሰለሰተ ላፕቶፕ ኮምፒተር  :   ሎት ኣርባዕተ ሃንድ ዎሽ  ኣብ ዉሽጢ  10 መዓልቲ መፅዓኒን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት አታዊ ይገብር :  ሎት ክልተ ሕትመት አብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ተሓቲሙ መፅዓኒን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት አታዊ ይገብር   :  

12 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13 እቲ ቢሮ አድላይ ኮይኑ ተረኪብዎ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ከቅንስ ይክእል እዩ

14 ኩሉም ጨረታ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

14 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715

ድሕሪት
ጨረታ መደብ