ን ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ካብ UNDP ብዝተረከበ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ :ኣቅሑት ቢሮን ገዛን : ሞተር ሳይክል ካብ መቅረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

1 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ሐምለ 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከምእዉን ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ዘለኩም አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

4 መከበሪ ጨረታ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ 40000 : ኣቅሑት ቢሮን  ገዛን 16000 : ሞተር ሳይክል 20000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ምስ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 9 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዝመለእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ሙሉእ ኣድራሽ ምስ ቁፅሪ ስልኪ ክገልፁ ዝክእሉ ካብ ዕለት 4 ሐምለ 2016 ዓም ክሳብ 19 ሐምለ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብምፍልላይ ምእታዉ ዝክእሉ ኮይኖም እቲ ጨረታ ሰዓት 3:00  ተዓፅዩ ዝክፈተሉ እዋን ኣብቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከዉን

7 ኣብ ናይ መቅረቢ ዋጋ ዝተመለ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 መዓልቲ ይከዉን

8 ብተወሳኪ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት እትመልእዎ ተወሳኪ አሴት ታክስ ታሓዊስዎ ትወዳደሩ ከምዘለኩም ክትፈልጥዎ ይግባእ ቫት የወስከ ወይድማ የቀነስ ሓሳብ ወይድማ መብርሂ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ንሕብር

9 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ እንትኣስር ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእተዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

10 እቲ ኮሚሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ        

11 ብተወሳኪ እዉን 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝከኣል ኮይኑ ተወዳደርቲ መምሊእ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መቐለ ዝወሰድ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ክከዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ   0344403100

ድሕሪት
ጨረታ መደብ