ወርዒ ናይ ዘገልግሉ ንብረታት ተሽከርክርትን መሸጢ ሕ/ሽ/ማሕበር ዝተፈላለዩ ዓይነት መካይን መሽነሪታትን ሞተርሳይክልን ብግልፂ ጨረታ ንምሻጥ ኣቅሪቡ አሎ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 16, 2016 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 19, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:400000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 21, 2016 10:00 ደ/ሰዓት
  • መኪና ሓራጅ/ መኪና/ማሺን ምሻጥ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ወርዒ ናይ ዘገልግሉ ንብረታት ተሽከርክርትን መሸጢ ሕ/ሽ/ማሕበር ዝተፈላለዩ ዓይነት መካይን መሽነሪታትን ሞተርሳይክልን ብግልፂ ጨረታ ንምሻጥ ኣቅሪቡ አሎ

1 እዚ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ካብ ዕለት 19/9/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 21/09/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 16 ቀይሕ መስቀል ኣድራሻ ዝካየድ ምካኑ እናገለፅና ተጫረቲ ነዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ደምብን አሰራርሓን ከማልኡ ይግባእ

1 ተጫረቲ ክጫረትዎ ንዝደልዩ ንብረታት / ተሽከርካሪ ካብ ዝተቐመጠሉ መበገሲ ዋጋ 20 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ንጨረታ መከበሪ ብሽም ማሕበርና ከትሕዙ አለዎም

2 ኣብ ኩሉ ዓይነት ንብረታት / ተሽከርከርሪ ንምጭራት እንተደልዩም 400000 / ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ማሕበርና ብምትሓዝ ሐደ ገዜ ተጫሪቶም ምስ ሰዓሩ ብቀጥታ ሒሳቡ ክወራረድ ብምግብር ንቀፃሊ ዝጫረትዎ ንብረት ካብ መበገሲ ዋጋ 20 ሚእታዊ ዘይምልእ እንተኮይኑ ደጊሞም ስፒኦ ናይ ምትሓዝ ግቡእ ይህልዎም

3 ጨረታ ሰዓራይ ሙሉእ ዋጋ ኣብ ምክፋል ኣብ ኢትዩጰያ ንግዲ ባንኪ ንዝዉሃቦም ሒሳብ ቁፅሪ ጠቅሊሎም ኣታዊ ክገብሩ አለዎም

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ እነተይኣትሓዝካ ምጭራት ብጥብቂ ዝተከልከለ እዩ

5 ንጨረታ ዝቐረበ ተሽከርክርቲ ናይ ሕሉፍ ዘይተከፈለ ከላዉዶ ቀረፅን ካልኦትን ዕዳታትን ንዘለወን በዓልዋና ንብረት ዝከፈሎ ኮይኑ ናይ ዲክልራስዩን ናይ ርግጫ ፖስታን ሽም መዛወርን ዝምልከቱ ወፃኢታት ድማ ብዓዳጋይ ዝሽፈን እዩ

6 እስክራፕ ተባሂሉ ንጨረታ ዝቀረበ ናት ተሽከርካሪ ቦዶ ሽም ክዛወረሉ ዘይክእል ንመለዋወጢ ጥራሕ ዘገልግል እዩ

7 ተጫሪቶም ዘሐነፍዎ ንብረት / ተሽከርካሪ ጨረታ ካብ ዝቃለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 6 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሙሉእ ዋጋ ይከፍሉ እንተዘይከፊሎክም ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ናብ በዓል ዋና ንብረት ኣታዊ ተጌሩ እቲ ንብረት ኣብ ቀፃሊ ንጨረታ የቀርብ

8 ንጨረታ ዝቀረቡ ንብረት / ተሽከርከርቲ / ዝርዝር መረዳእታ ዝሐዘ ደክሜንት ዘይምለስ 200 ብምክፋ 1ይ ወያነ ጅብሩክ ፍስሃ ህንፃ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ምዉሳድ ይከኣል

9 ተጫሪቶም ዝዓድግዎ ንብረት / ተሽከርካሪ ሙሉእ ዋጋ ብምክፋል ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልሪጨቲ ከልዕልዎ እንተዘይክኢሎም መዓልታዊ ንሐለዋ አገልግሎት 100 ይከፍሉ ከምኡ ኮይኑ ዉን ብእዋኑ ከይተልዓለ ዝቅፅል እንተኮይኑ ኣፍቲ ንብረት ክበፅሕ ንዝክእል ሐደጋ ማሕበርና ሓላፍነቱ ኣይወስድን

10 ማሕበርና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 091472 71 18 / 0914 70 87 77 / 0902 02 91 91


ድሕሪት
ጨረታ መደብ