ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 07/2016 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ
ይደሊ። በዚ መሰረት ቀፂሎም ዘለዉ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ምውድዳር ትኽእሉ።
መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።
2/ ናይ ግብሪ ክፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም።
3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም።
4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ ( ዝረአዩ ) ክኾኑ ኣለዎም።
6/ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 18/07/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 20/07/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።
7/ እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 23/07/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።
8/ ተጫራቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።
9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።
10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 2 ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡፡
12/ ኣብ ጨረታ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ከምኡ ውን ስርዝ ድልዝ ወይውን ተመሳሳሊ ኢልካ ምምላእ ኣይፍቀድን።
13/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ፡፡
ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ነጋዶ ዝመልኡዎ ዝርዝር ነፀላ ዋጋ
ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ሞዴል | መፍለዪ ቁጽሪ/መግለፂ | መለክዒ/ Unit | በዝሒ Quantity | ነፀላ ዋጋ | መብርሂ | |
---|---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | |||||||
1 | Disc Clutch Assy | KUN25L | 31250-Ok0205 | pics | 01 |
ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ሞዴል | መፍለዪ ቁጽሪ/መግለፂ | መለክዒ/ Unit | በዝሒ Quantity | ነፀላ ዋጋ | መብርሂ | |
---|---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | |||||||
1 | ጎማ መኪና | - | 205R16 | pics | 02 | |||
2 | ጎማ መኪና | - | 195R15 | pics | 01 | |||
3 | ባትር መኪና | KUN25L | 70A 12V | pics | 01 |
ነዚ ቅጥዒ ዝመልእ ነጋዳይ
ሽም--
ፊርማ
ዕለት
ስልኪ ቁ. 0344404592
ድሕሪት