ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ላጪ ዝርከብ ናይ ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእኸል ህንፃ ፕሮጀክት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅፀኒን መራገፊን ሓዊሱ ማተርያል ምቕራብ ይኸዉን:-
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 1, 2016 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 5, 2016 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 5, 2016 09:30 ደ/ሰዓት
  • ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ጨረታ

1. ማሕበርና ንህንፀት ዕዳጋ ማእኸል ዝኾን ዕርየቶም ዝሓለዉ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት ቴንዲኖ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰርት ተጫረቲ ንምሳታፍ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት ከማልኡ ኣለዎም:-

2. ናይ 2015 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ::

3. ተጫረትቲ ብማሕበርና ስም ሲፒኦ/CPO/ 100,000 ብር ኣስሪሖም የቕርቡ::

4. ምስዚ ተተሓሒዙ ቐሪቡ ካብ ዘሎ ዘድሊ መጠን ናይቲ ማተርያል በዝሒ/Quantity/ ብ20% ክቕንስ ወይ ክውስኸ ከምዝኸእል ኣብ ግምት ውሽጢ ከእትዉ ይግባእ::

5. ዕርየት ዘይብሎም ማተርያል ንዘቕርብ ብበዓል ሞያ ተራእዩ Test ተገይሩ/ እንተዘይሓሊፉ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ይምልስዎ

6. መዐቀንታት ዘማልኡ ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ/5/ ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልትታት ውሽጢ ማለት ካብ ዕለት 01/04/2016-05/04/2016 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ብምዉሳድ ክወዳደሩ ይኸእሉ::

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መሊኦም ምስ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ብምትሕሓዝ ኣብ ካኪ ፖስታ ዓሺጎም ማህተም ዓሪፍዎ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

8. እዚ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 05/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኺቦም ግና ብዘየለውሉ ጨረትኦም ይኸፈት::

9. ማሕበርና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ ሕጋዊ እዩ።

10.ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ቤት ብምቕራብ ወይ ድማ ስልኪ ብምድዋል ምሕታት ይከአል ናይ ቤት ፅሕፈት ስ/ቁፅሪ 0914261958

ድሕሪት
ጨረታ መደብ