ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ንዝተፈላለየ መካይን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዘገልግል ሙሉእ መድሕን ሽፋን ከእቱ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቑሓ እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 8, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 2%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50/ሓምሳ ብር
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ኢንሹራንስ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1. ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ አትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ፣

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 09/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 409 ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ ብምኸፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ _ ዕለት 09/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 21/2/2016 ዓ.ም 3፡00 ናይ ንግሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 21/2/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፣

9. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ምስ ሰላምታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ

Fax 40-60-99

20343-40-00-14

E-mail DECSI@telecom.net.et

1074 Mekelle, Tigray

ድሕሪት
ጨረታ መደብ