1 ኣብ 2012ዓ/ም ብቤት ፅሕፈት ል/ደ/ኣ/ን/ት ዝተሓደሰ ዝተወሃበ ብርኪ ትካል ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ቲን ፍቃድን ኮንስትራክሽን ዘሐደሱሉ ናይ ቫት ምዝገባ ወረቐት ምስክር ፣ ናይ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ናይ ቫት ዲክለሬሽን መቅረባይነት ሰርተፊኬትን መረዳእታታ ካይሓዝሓ ምዉድዳር ኣይፍቀድን
2 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል ወይድማ ካብ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ 10,000.00 ከቕርቡ ኣለዎም
3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 180 ተኸታታሊ መዓልቲታት ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
4 ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን ትራንስፖርትን ወረዳ 2ተ ኣዉላዕሎ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳር ዝረከብ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ
5 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ክልተ ኮፒን ብቤት ፅሕፈት ል/ደ/ኣ/ን/ት ዝተወሃበ ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ኩሎም ፖስታታ ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅጨረታ ክሳብ ዕለት 05/01/2013ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ንጉሆ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ
6 እቶም ጨረታታት ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 05/01/2013ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ይክፈት
7 እቲ ከይዲ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ናቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 43 03 80
ድሕሪት