ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
- ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
- ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
- ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
- ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
- መክበሪ ጨረታ 15,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
- ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
- ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
- ኣብቲ ዝወፀ ሰነድ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
- ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
- ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
- ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ ጣብያታት ምስ መጋዓዕዝዩ መራገፊኡን ክሽፈን ዝክእል
- ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
- ኣብ ጋብዮን ከባቢ ዘለዎ ማተሪያል ሎት ባይ ሎት እምኒ ፀፀር ሑፃ ጠቅላላ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተዋ ሰዓራይ እንትከዉን ኣብ መሳርሕታት ህንፃ ግና ኣይተም ባይ ኣይተም ሰዓራይ ይከዉን
- ሳንዱቅ ጨረታ 30 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370246 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።
ድሕሪት