1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
2 ቲን ነምበረ ማለት እዉን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ናይ መቅረባየነት ሰርቲፊኬት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ
4 ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 12 ጥሪ 2008 ዓም ክሳብ 27 ጥሪ 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋየናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል እዚ ማለት ሎት ሓደ ፈልሲ ኣፕል ፡ሎት ክልተ ሮትስቶክ ሳይንትርን ምዉሳድ ይከኣል
5 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም
6 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 27 ጥሪ 2008 ዓ∙ ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት
7 ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምረካቦም ናይቲ ጨረታ ስነስርዓት ኣይተኣጋጎልን
8 ተጫረቲ ሰዓራይ ኮይኖም ምስተረከቡ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብጥረገንዘብ ብምትሓዝ ዉዕሊ ኣሲሮም ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ብባዓል ሞያ ኣፈቲሾም ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታተልቲ መዓልትታት የረክብ
9 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 ናይ ስራሕ መዓልትታት ኮይኑ ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምንካይ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914190333 ወይ 0918083986 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ
ድሕሪት