The daughters charity

ኣብ ምልክታ ግልፂ ጨረታ መስተኻኸሊ ምሃብ ይምልከት

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል Caritas Germany ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ጉሎሙካዳን ኢሮብን Rehabilitation and Drilling of shallow wells ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ነዙይ መሰረት ገይሩ ብዕለት 22/5/2026 ቁዕሪ DC/CO/0792/26 ኣብ ዘውፃእናዮ ግልፂ ጨረታ ብ Water work ደረጃ -5 ን- ልዕሊኡን ተባሂሉ ወዕዩ ዝነበረ ብ Drilling ደረጃ -5 ን- ልዕሊኡን ተባሂሉ ዝተስተኻኸለ ሙኻኑ እናሓበርና ጨረታ መኽፈትን መዕፀውን መዓልቲን ድማ በቲ ዝነበረ ሙኻኑ ነፍልጥ::

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 02 /062026 ኣ.ፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኸፈት :: ፋይናንሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኽፈት ብምልክታ ዝሃለዕ ይኸዉን።

ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ክኸዉን ኣለዎ ነባር ደረሰይ እንተኾይኑ ድማ ድጋፍ ደብዳቤ ካብ ዝምልከቶ ከምፅእ ይግደድ።