The daughters charity

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል MMI ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለዩ 4 ወረዳታት ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ት/ቲ ኣብ 4 ሎታት ከፋፊሉ እንዳ ኩሸኔ (kitchen) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ VAT ተመዝገብቲ ደረጃ -7 ን- ልዕሊኡን ዝኾንኩምን ኮንትራክተራት ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 17 /04/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 24 /04/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ፡፡

➢ ሓደ ተጫራታይ ኣብ ሓደ ሎት ጥራሕ እዩ ክወዳደር ዝኽእል

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 24 /04/2026 ኣ.ፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኽፈት :: ፋይናንሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኽፈት ብምልክታ ዝግለፅ ይኸዉን።

➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ክኸዉን ኣለዎ ነባር ደረሰይ እንተኾይኑ ድማ ድጋፍ ደብዳቤ ካብ ዝምልከቶ ከምፅእ ይግደድ።

Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 4184 42 Email dccoordinator@ethionet.et