Tigray Justices Bureau

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ /2018

ቐፅሪ 1730/ጨ-14/2018 

ዕለት 29/07/2018ዓ/ም

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣቑሕት ምድብ-1/ LoT‐ዝተፈላላየ ናይ ገዛ ኣቑሑትን ፣ፈርንቸር ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑትን ገዛ ናይ ገዛ ደቐቂት ኣቁሑት 1 ናይ ዓራት ግልጋሎት ዝውዕሊ ኣቑሑት ከበርታ በዓል 4.5 ኪ/ግራይ፣ኣንሶላ፣ፍርናሽ በዓል 180 ፣ናይ ዓራት ክዳን (ምንፃፍ)ኮንፈርትን እዚ ንብረት ምስ ኣሽነፋ ናብ ቢሮ ሓላፊ ዝተካረዮ መንበረ ገዛ ኣብ መቐለ ኸይኑ ብና በዓሉ ትራንስፖርት ዘብፅሕ ይኸውን፣-ብብርኪ ክልል ትግራይ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ፦

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዋንኡን በሙሉ ኮፒ ከቕርብ ዝኸእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ IIN ሰርትፊኬት ዋንኡን በሙሉ ኮፒ ከቕርብ ዝኸእል፤

3. ንተወሳኺ እሴት ታክሲ NAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2018 ዓ/ም ናይ VAI ድክላሬሽን በሙሉ ኮፒ ኣብ 3 ወርሒ ውሽጢ ዝተሓደሰ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ካቕርብ ዝኸእል፤7.5% VAIን 3% withholding taxን በቲ መምርሒ መሰረት ኣብ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ዝኸፍል፣

4. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዋንኡን ሓደ በሙሉ ኮፒ ከቕርብ ዝኸእል፤ ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ስራሕ መዓልቲን ቀዳምን ሰንበትን ካልኦት በዓላቲን ሓውሱ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ቢሮና ዝደለዎ መንበር ገዛ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝኸእል፤

5. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ኣድርሻን፤መታውቕያ፣ማህተም ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፤ ዘይብሉ፤ናይቲ ትካል ሽምን ሓዚ ዝርከበሉ

6. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ኣብ 4ቲኦም ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢት ብር ጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኸእል፣

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ ገዛ ኣቑሑትን ፣ፈርንቸር ፣ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ገዛ ኣቁሑትን ዝብል 10,000(ዓሰርተ ሽሕ ብር ) ንሕድ ሕድ ናይ ገዛ ደቅቂት ኣቁሑት ሺሕ ሓሙሽተ ብር ጥራሕ) ብር 2,500(ክልተ ናይ ዓራት ግልጋሎት ዝውዕሊ ኣቑሑት ከበርታ በዓል 4.5 ኪ/ግራይ፣ኣንሶላ፣ፍርናሽ በዓል 180 ፣ናይ ዓራት ክዳን (ምንፃፍ)ኮንፊርትን ብር 2,500(ክልተ ሺሕ ሓሙሽተ ብር ጥራሕ) ብሽም ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ / Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብጊዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ- ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ተሓዚ ገንዘብ እቲ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቐረበ ጨረታ መኸበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኾይኑ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

8. እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ዕለት 29/07/2018ዓ/ም ክሳብ 13/08/2018ዓ/ም ኩሉ ጊዜ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 _ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት _ 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፤ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት።

9. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኸ ይኸእል እዩ።

11. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ (ንብረት ዝሓተተ)ተፈቲሹ ትኸክለኛ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

ሓበሬታ፦ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 03 44 41 8714/09 14 76 88 50/0914015536 ደዊልካ ምሕታት

ይከኣል