Relief Society Tigray

ጨረታ ምልክታ

“ሃሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ ገዛ ኣቁሑ (Comping Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ። ስለዚ ክትጫሪቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ አትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኸእሉ።

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 03/07/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 17/07/2018 ዓ.ም አዮ ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/07/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ። ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኸእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 17/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።

6. አቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣለን ።

9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።

10. አቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉአ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡