⚡ AI Quick Summary
* ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ዝኽእሉ ኮይኖም፣ ናይቲ ዝመላእዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ (CPO) ከትሕዙ ይግባእ።
* ጨረታ ካብ ዕለት 13/06/2018 ዓ.ም ክሳብ 18/06/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ኣብ ዕለት 18/06/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ይክፈት።
* ተዓዋቲ ዝኾነ ተጫራታይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ሪፖርት ክገብር ዝግበኦ ኮይኑ፣ እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳኽ/ምቕናስ ወይ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA project ንመቐለ፣ ማይጨዉን ዓድግራትን ግልጋሎት ዝዉዕል መድሓኒት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲራ ዉዕሊ አሲራ ክትዕድግ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
6. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀለ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር
7. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
8. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
9. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 13/06/2018 ዓ.ም ክሳብ 18/06/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/06/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ
10. ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን
11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኽእል
12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::