ፔንቴክ ትሬዲንግ ኣክስዮን ማሕበር ናይ ሕሉፍ በጀት ዓመታት ማለት እውን ካብ ሓምለ 01, 2011 ዓ/ም ክሳብ ሰነ 30 2016 ዓ/ም ዝነበሩ ናይ ትካልና ናይ ሒሳብ ምንቅስቃሳት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ሙሉእ ኦዲት Full Audit ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ናይ ደገ ኦዲተራት ንክትሳተፉ ንዕድም።
  • የተለቀቀበት ቀን: ሓሙስ ታሕሳስ 10, 2017 (20 ቀናቶች)
  • መዝግያ ቀን: ሰሉስ ታሕሳስ 15, 2017 09:30 ከሰአት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:10,000
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሰሉስ ታሕሳስ 15, 2017 10:00 ከሰአት
  • ኦዲት ተዛማድኡን/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ፕሮፎርማ ግልጋሎት ኦዲት

ፔንቴክ ትሬዲንግ ኣክስዮን ማሕበር ናይ ሕሉፍ በጀት ዓመታት ማለት እውን ካብ ሓምለ 01, 2011 ዓ/ም ክሳብ ሰነ 30 2016 ዓ/ም ዝነበሩ ናይ ትካልና ናይ ሒሳብ ምንቅስቃሳት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ሙሉእ ኦዲት Full Audit ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ናይ ደገ ኦዲተራት ንክትሳተፉ ንዕድም።

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቓሒታት፡

1. ተጫራቲ ካብ “Accounting and Auditing Board Ethiopia (AABE)” ፈቃድ ዝተውሃቦን ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ፥ ተወሳኺ እሴት ታክስ ፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN)ን ፎቶ ኮፒ ከቕርብ

2. ተጫራታይ ኣብ ናይ “Accounting Auditing Board of Ethiopia (AABE)" ዌብሳይት ዝተፈቐደሎም ኦዲተራት ሽም ዝርዝር ዝተካተተ ክከውን ኣለዎ።

3. ናይ ተጫራቲ ኮሎም ናይ ኦዲት ኣባላት ናይ ዓለም ኣቀፍ ፋይናንስ ሪፖርቲንግ ስታንዳርድ (IFRS) ፍልጠት ዘለዎምን ናይ IFRS ስልጠና ከምዝወስዱ ዘርኢ መረዳእታ (ሰርቲፊኬት) ክቅርብ ዝኽእሉ።

4. ተጫራቲ ተመሳሰልቲ ተቋማት ኦዲት ዝገበረን እንተንኢሱ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ስራሕ ልምዲ ዘለዎ።

5. ተጫራታይ ነፃን ዘይሻራውን ኮይኑ ክሰርሕ ዝክእል ኽኸውን ኣለዎ። ኣብ ትካልና በዓል ብፅሒት ዘይኮነ ምስ ናይ ትካልና መስረትቲ ኣባላት ፥ ቦርድ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ዝምድና ዘይብሉ።

6. ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መቐለ ፔንቴክ ዋና ቤ/ት ፅሕፈት ምዃኑ ፈሊጡ ንምስታፍ ፍቓደኛ ዝኾነ፣

7. ተጫራታይ እቲ ናይ ኦዲት ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወዲኡ ከረክብ ዝኽእል።

8. ተጫራታይ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ብምቅራብ 100 ቅርሺ ብምኽፍል ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይኽእል።

9. ተጫራታይ ጨረታ መኽበሪ ብር 10,000 ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ኣለዎ።

10. ናይቲ ጨረታ ኣሸናፊ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ 10% ሚእታዊ ናይ ጠቅላላ ዋጋ ውዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

11. ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፔንቴክ ትሬዲንግ ኣክስዮን ማሕበር (ጅብሩክ ኣንበሳ ባንኪ 4ይ ደብሪ) ካብ ዕለት 09/04/2017 ዓ/ም - 15/04/2017 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይኸእሉ።

12. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይንናንሻል መወዳደሪ ቅጥዒ ብዝግባኣ ብምምላእን ደጋፊ መረዳእታኹም ብምትሕሓዝን ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ስም፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጅናል /ዋና/ን ኮፒን ተባሂሉ ተጻሒፉሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፉዎን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ክሳብ ዕለት 15/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 9፥30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ እዋን ከእትው ኣለዎም።

13. እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዕለት 15/04/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10:00 ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡሉ ይኽፈት። ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አንተዘይተረኺቦም ትካልና እቲ ጨረታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ አዩ::

14. ትካልና ዝሓሽ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0913-69-69-69 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

መመለስ
የጨረታ ምድብ