ግልፂ ጨረታ
ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ዝተፈላለዩ ናይ ሰራሕተኛታት ጫማታት ትሕት ኢሉ ብዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ካብ ዝምልከቶም ሕጋዊ መቕረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኸዕድግ ይደሊ ።ፈጋ ቑፅሪ | ዝርዝር ኣልባሳት | ረቛሒ | በዝሒ |
---|---|---|---|
1 | ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጫማ | ኣምበሳ ጫማ | 98 |
2 | ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጫማ | ኣምበሳ ጫማ | 6 |
3 | ሲኒከር ጫማ(ናይ ሓካይም) | ብናይ ትካልና ዝቐርብ መርኣያ መሰረት | 14 |
4 | ጫማ ናይ ሹፌራት | ብናይ ትካልና ዝቐርብ መርኣያ መሰረት | 54 |
ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት
1. ናይቲ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን ንግዲ ምዝገባን ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ጊዘ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።
2. ብንግዲ ስራሕ ዝተሰማረዩ ምዃኖም ዝተወሃቦም መፍለዩ ቑፅሪ ቲን (TI No) ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።
3. ኣብ ናይ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ግዚኢት ንምስታፍ ዝተወሃቦም ናይ (2016 ዓ/ም ወይ 2017 ዓ/ም) ዝተሓደሰ ናይ መቕረብቲ ካርዲ ሰርቲፊኬት ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቕርቡ
ዝኽእሉ።
4. ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ናይ ሻት(VAT) ወይ ቲኦቲ(IOT) ተመዝጋቢ ምዃኖም ዘርኢ መረዳእታ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኸእሉ።
5. መኽበሪ ጨረታ ዝተሓዝ ብሲፒኦ(CPO)ወይ ብጥረ ገንዘብ ጥራሕ ኮይኑ ብር 10,000(ብር ዓሰርተ ሽሕ ጥራሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከቕርቡ ዝኽእሉ።
6. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ትልምን ንብረት ምሕደራን መምርሒ ዋና ክፍሊ ዕደጋ ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል ።
7. ናይ ጨረታ ሰነድን ደምቢ ስነስርዓት ጨረታን ሰነድ መዐደጊ ዋጋ ብር 300.0(ብር ሰለስተ ሚኢቲ ጥራሕ)ካብ ዋና ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ዋና ኸፍሊ ፋይናንስ ዓዲጉ ክወስድ ዝኽእል።
8. ጨረታ ኣብ ኣየር ግልፂ ኮይኑ ዝፀንሐሉ መዓልትታት ካብ ዕለት 14/03/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 24/03/2017 ዓ/ም ይኸውን።
9. ናይ ጨረታ ሰነድ ዓዲጎም ዝወሰዱ ኣብ መምልኢ ዋጋ ብትክክል መሊኦም ንዑኡ ተባሂሊ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።
10. ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ጠቕላላ ዋጋ 10%(ዓሰርተ ሚእታዊ) ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብስፒኦ ብኣካል ቀሪቡ ክትሕዝ ዝኽእል።
11. እዚ ጨረታ ዕለት 24 /03/2017 ዓ/ም ሰዓት 400 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ድማ ኣብ ዋና ግቢ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ኣብ ቅድሚ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት።
12. ትካልና ካልእ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
13. ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ተጫራታይ ናይ ትካልና ደምቢ ስነስርዓት ጨረታ ብጥብቂ ከኽብር ይግባእ።
14. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914178887/0911016771 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።
መመለስ